ተቖጻጻሪት ጉጅለን ኮሚተን እገዳ ኤርትራን ሶማልን ዝመጽእ ሰሙን ናይ መወዳእታ ጸብጻበን ከቕርባ’የን

ተቖጻጻሪት ጉጅለን ኮሚተን እገዳ ኤርትራን ሶማልን ዝመጽእ ሰሙን ናይ መወዳእታ ጸብጻበን ከቕርባ’የን

Radio Erena: 02 November 2018

UNSC

ተቖጻጻሪት ጉጅለን ኮሚተ እገዳ ኤርትራን ሶማልን፣ ዝመጽእ ሰሙን 8 ሕዳር ናይ መወዳእታ ጸብጻብን ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከረክባ’የን።

ኮሚተ እገዳ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ሶማል ተተሓሒዙ ኣብ 2009 ዝተነብረ እገዳታት ብዝምልከት ብ12 ጥቅምቲ ዘተን ምምኽኻርን ከምዘካየደት ኣብ ዘውጽኦቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

እታ ኮሚተ ብዘይካ’ዚ ምስ ወከልቲ ኤርትራን ሶማልን ብምርኻብ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይን ኣቐዲሙ ዝቐረበ ለበዋታትን ብዝምልክተ ከምዝተዘራረበት ይግለጽ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብተቖጻጻሪት ጉጅለን ኮሚተ እገዳን ንዝቐረበሉ ጸብጻባት ድሕሪ ምርኣይ፣ ኣብ ልዕሊ ሶማል ኣብ 1992 ከምኡ ድማ ምስ ኤርትራ ብሓባር ኣብ 2009 ዘንበሮ እገዳ ይልዓል ዶ ከምዘለዎ ይቐጽል ኣብ ዝብል ጉዳይ፣ ዓመተ 2018 ቅድሚ ምዝዛሙ ውሳኔ ክህበሉ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ባይቶ ነቲ ምስ ጅቡቲ ተኣሳሲሩ ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ብዝምልከት’ውን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዘሕልፎ ውሳኔ ከነጽር’ዩ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝጀመረቶ ሰላም፣ ብኢትዮጵያ ዝተበገሰ ድፍኢት፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ክጽውዑ እንከለዉ፣ ጅቡቲ ግና፣ ሃለዋት ናይቶም ብኤርትራ ተማሪኾም ኣለዉ ዝበለቶም ወትሃደራት ክሳብ ዝፍለጥን ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብን እቲ እገዳ ክልዓል ከምዘይትድግፍ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንቡር ዝምድና ክጅምርን እገዳ ክልዓል ክጽውዕን’ዮም ዝሓቱ ዘለው።

ሓያሎ ሃገራት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፣ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ብእወታ ከምዝርእዎ እኳ እንተጠቐሱ እቲ እገዳ ክልዓል ብዛዕባ ዘለዎም ውሳኔ ግና ብጽኑር ኣየፍለጡን።

ካልኦት ኣባላት ሃገራት እቲ ባይቶ ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንለውጢ ዘለዎ ቅርቡነት ከየርኣየ፣ እቲ እገዳ ብቕጽበትን ብዘይቅድመ ኩነትን ክልዓል የብሉን ዝብል መርገጺ ሒዘን ይርከባ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ሩስያን ቻይናን ዝሓቀፈ ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላትን፣ ኢትዮጵያን ሽወደንን ዝርከብአን 10 ዘይቀወምቲ ሃገራትን ዘጠቓለለ’ዩ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0