ኤርትራውያን ኣክቲቪስት ኤርትራ ናይ Starlink ኢንተርነት ተጠቃሚት ክትከውን ይጉስጉሱ

Radio: 09 March 2022

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ድሕሪ ምክያዳ ወናኒ ኮፕሬሽን ዳህሳስ ህዋ (SpaceX) ኢሎን ማስክ ንዩክሬን ብመገዲ Starlink ሳተላይታት ናጻ ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎት ክህባ ተመባጺዑ:: ከም መብጽዓኡ ድማ እታ ሃገር ኣብ ኲናት እናሃለወት ዘየቋርጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ትረክብ ኣላ::

ነዚ ኣጋጣሚ ዘስተብሃሉ ጉጅለ ኤርትራውያን ኣክቲቪስት: ህዝቢ ኤርትራ ተጠቃሚ ‘ስታር ሊንክ’ ኢንተርነት ክኸውን ኢሎን ማስክ ኣቃልቦ ክገብረሉ ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ::

እቶም ኤርትራውያን ኣክቲቪስት #starlink4eritrea (ሃሽታግ ስታርሊንክ ፋር ኤሪትሪያ) ዝብል ዛዕባ ብምልዓል እዮም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብፍላይ ድማ ትዊተርን ፈይስቡክን ጎስጓስ ዝገብሩ ዘለዉ::

ካብ ህዝቢ ኤርትራ 1 ሚእታዊት ጥራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝረክብ: እዚ’ውን እቲ ኣብ ከተማ ዝቕመጥ ኣዝዩ ውሑድ::

ኢሎን ማስክ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ብምርዳእ ‘ስታር ሊንክ’ ሳተላይታቱ ናብ ኤርትራ ከምዘቕንዓ ክገብር ይኽእል እዩ::

ነዚ ጻውዒት ድፍኢት ንምግባር ናይ ኣርተፊሻል ብልሒ (AI) ክኢላ ዶክተር ትምኒት ከይተረፈ ይሳተፋኦ ኣለዋ::

ዓለም ብመገዲ ኢንተርነት ተራኺባ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣብ እትጽቀመሉ ዘላ እዋን ህዝቢ ኤርትራ እቲ እንኮ ነዚ ዕድላት ዘይረኸበ ኮይኑ ኣሎ: እዚ ድማ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ስለዘይደለየ ጥራይ እዩ::

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ ባሕሪ ብከይብል ናይ ዝወሃብ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተሓሲሙ እዩ::

‘ስታር ሊንክ’ (Starlink) ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመገዲ 1,700 ሳተላይታት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ይህብ ኣሎ ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ እተን ሳተላይታት ናብ 42 ሽሕ ክብ ብምባር ኣገልግሎት ኢንተርኔት ናብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ከምዝባጻሕ ክግበር እዩ::

ኣብዚ ሕጂ እዋን ‘ስታር ሊንክ’ ክትጥቀም ኣብ መሬት ተቐባሊ ድሽ የድልየካ እዩ: እንተኾነ ኢሎን ማስክ እዚ ኣብ ቀረባ መጻኢ ክቕየር ከምዝኾነን ብዘይ ድሽ ክሰርሕ ምኳኑን ይሕብር::

ኢሎን ማስክ ኣብ ከተማ ፕሮተርያ-ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወልደ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ: ካናዳን ሕራት መንግስታት ኣመሪካን ዜግነት ዘለዎ ቢልዮኔር እዩ::

ብጻዕሩ ቢልዮኔር ዝኾነ ማስክ ‘ፐይ ፖል'(pay pal)ን ካልእ ህቡባት ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ ኣፕሊኬሽናት ዝመሃዘ: ከምኡ’ውን ወናኒ ኤሌክትሮኒካዊት መኪና ተስላ እዩ::

COMMENTS

WORDPRESS: 0