ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ተዘኪራ

Radio: 09 March 2022

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ትማሊ ሰሉስ 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ውዒሉ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝተዘከረ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ’ውን ብማዕረ ክሳተፋን ዘዘኻኽር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጽሞ ከም ምኽንሻብ ዝኣመሰለ ጎዳኢ ልምድታትን ካልእ ዘቤታዊ ዓመጽን፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ተዘሪብሉ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትውያን’ውን፣ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘኪሮማ ዊዕሎም።

ኣብ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ምስትኡ ዝተሓሓዝ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ኣደራዕ ምህላዉ፣ ንፍትሕን ለውጥን ክቃለሳ ተጣበቅቲ መሰላት ደቂንስትዮ የተሓሳስባ’የን።

ኣብ ኤርትራ ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ ብሰንኪ ፖለቲካ፣ እምነትን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን ፍርዲን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐያ ከምዘለዋን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ግፍዕታት ከምዝወረደንን ይፍለጥ።
================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0