ኤርትራ 26 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር ዓዲጋ

ቤላሩስ ካብ 2004 ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ግዜ 26 ሚልዮን ዶላር ዝዋግአ ኣጽዋር ንኤርትራ ከምዝሸጠትላ ተሓቢሩ።

    ማዕከን ዜና ኒውስ ኣዝ ብዝዕባ መሸጣ ኣጽዋር ቤላሩስ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ 26 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ክትሽመት እንከላ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዓመት ብተመሳሳሊ ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኾና የመንን ሱዳን  ነፍሲ ወከፍ 125 ሚልዮን ከምኡ ድማ 38 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር ካብ ቤላሩስ ዓዲገን።

    ኣብቲ ዓመት’ቲ ጅቡትን ኡጋንዳን’ውን ነፍሲ ወከፈን ካብ 10 ሚልዮን ዶላር ዘይዛይድ ኣጽዋር ካብ ቤላርስ ምሽማተን እቲ ማዕከን ዜና ኣነጺሩ።

    ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሽምትኦ ኣጽዋር ካብ ዩክሬን፣ ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ቡልጋርያን ቸክ ሪፖብሊክን ምዃኑ ወትሃደራውያን ሰነዳት የረጋግጹ።

    ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ሸመተ ኣጻዋር ምስተን ቀዳሞት ከምእትስራዕ ዝንገረላ ኢትዮጵያ’ውን 100 ሚልዮን ዶላር ዝዋግአን 200 ታንክታት ኣብ 2011 ካብ ዩክሬን ምሽማታ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0