ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደም፣ ፍርያታ ተጓዲሉ

ኣብ ባጽዕ ተደኵና እትርከብ ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደም፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ እኹል ሰሜንቶ ተፍሪ ከምዘየላ ተሓቢሩ።

    እታ መዓልታዊ ኣስታት 10 ሽሕ ኩንታል ሰሜንቶ ከተፍሪ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዝተነግረላ ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደም፣ ብቻይናዊ ኩባንያ ተሃኒጻ ኣብ ነሓሰ 2011 ብወግዒ ስርሓ ካብ እትጅምር፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምቲ ከተፍሮ ዝግብኣ ብዝሒ ተፍሪ ከምዘየላ ክረጋገጽ ክኢሉ።

    ኣብ መንጎ ባጽዕን ሕርጊጎን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ገደም ዝተደኮነት ፋብሪካ ሰሜንቶ ፣ ኣብ መጀመርያ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ፍርያታ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዋጋታቱ ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዝነበረ ሰሜንቶ ብመጠኑ ኣረጋጊኣቶ እኳ እንተነበረት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ዋጋ ሰሜንቶ ቀስ ብቐስ ናህሩ ይውስኽ ምህላዉ ይንገረሉ።

     ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደም፣ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ናይ ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ልቃሕን ሓገዝን ዝተሃንጸ ዘመናዊ ፋብሪካ ደኣ ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ ፋብሪካ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መብዛሕቶም ብሃገራዊ እገልግሎት ዝተመደቡ ምስ ምዃኖም፣ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢራ’ያ ኢልካ ምዝራብ ከምዘይክኣል ኣብቲ እዋን’ቲ ዝተዋህቦ ገምጋም ምንባሩ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0