‘ኤርትራ ዝተሓተ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘለዋ ሃገር’ያ’ UNDP

‘ኤርትራ ዝተሓተ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘለዋ ሃገር’ያ’ UNDP

Radio Erena: 30 July, 2014

UNDP

ሸቶታት ሚልዮንዮም ተመዝግብ ከምዘላ እትገልጽ ኤርትራ ብሰብኣዊ ምዕባለ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዓ።

ኤርትራ ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ንመጽናዕቲ ካብ ዝቐረባ 187 ሃገራት ኣብ መበል 182’ያ ትርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ምንካያ ሞት ኣዴታትን ዕሰላን ኣብ እዋን ወሊድ…ወዘተ ዝኣመሰለ ሸቶታት ሚልዮንዮም ጽቡቕ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ከይተረፈ ከምዝተመስከረሉ ብተደጋጋሚ እዋን’ዩ ዝገልጽ።

 

ውድብ ህቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ግና በንጻሩ፣ ኤርትራ ብሰብኣዊ ምዕባለ ምስተን ዝተሓታ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም’ዩ ሰሪዑዋ።

እተን ዝተሓተ ደረጃ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ኮይነን ኤርትራ፣ ሞዛምቢክ፣ ጊኒ፣ ብሩንዲ፣ ቡርኪናፋሶን’የን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሳዋን ካልኣት ሓዊሲ ወትሃደራውያን መዓስከራት ዝኾና ኮሌጃትን ኣስሓት መንእሰያት ብሞያ እናሰልተነ ዓቕሚ ሰቢ የዕቢ ከምዘሎ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝምስክሮ ሓቂ ግና በንጻሩ’ዩ።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0