ፖሊስ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ብሓይሊ በቲኖም

ፖሊስ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ብሓይሊ በቲኖም

Radio Erena: 29 July, 2014

Eri In Calais

ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ ኣብ ጎደና ዝሓድሩ ዝነበሩ ኣስታት 300 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ ብፖሊስ ፈረንሳ ብጎነጽ ክእለዩ ይግበር ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ነቲ ስደተኛታት፣ ካብቲ ንኣዋርሕ ዝተቐመጥሉ ኣብ ጎደናታት ዝደኮንዎ ቴንዳታትን መደቐሲ ኮቦርታታን ካልእ ንብረትን ብሓዊ ከምዘቓጸልዎ’ውን ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ኣፍሊጡ።

እቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ካብ ሊብያ ብባሕሪ ድሕሪ ምስጋሮም፣ ብቐጥታ ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ዝኣተዉ’ዮም።

 

ፖሊስ ፈረንሳ ነቶም ስደተኛታት ጎነጽ ሓይልን እናተጠቕሙ ካብቲ ቦት ክእልዮዎምን ከምዝፈተኑን ንሓያሎ ካብኣቶም ድማ ኣብ መካይን ጽዒኖም ናብ ማእከል ፈረንሳ ከምዝፈነውዎምን’ውን ሓደ ሓደ ካብኣቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጾም።

እንተኾነ ንሳቶም፣ ናብ ብሪጣንያ ናይ ምስጋር ሕልሞም ንምትግባር እንደገና ናብ ወደባዊት ካሌ ተመሊሶም ኣብ ቀጽሪ ናይ ሓደ ፋብሪካ ግዝያዊ መዕቖቢ ተኺሎም ኣለዉ።

ምምሕዳር ከተማ ካሌ እቶም ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቶም ብሕጋዊ መንገዲ ክነብሩ ወይ ድማ ኣብ ውስጢ 24 ሰዓታት ካብ መሬት ፈረንሳ ክወጹ’ዩ ዝተልብ ዘሎ።

ነቶም ስደተኛታት መዓልታዊ ብናጻ መግቢ ዝዕድሎምን ካልእ ኩነታት ጥዕንኦም መሰላቶም ዝከታተል ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ትካል ግበረ ሰናይ ብወገኑ ድማ፣ እቶም ስደተኛታት ብድሌቶም እንተዘይኮይኑ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ክሓቱ ክግደዱ የብሎም እናበሉ ይጣበቕሎም ኣለዉ።

መንግስታት ፈረሳን ብሪጣንያን ኣተኣታትየንኦ ብዘለዋ ዝተራቐቐ መሳርሒታን ጽኑዕ ተፍትሽን፣ ብካሌ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ከቢድ ኮይኑ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ እቶም ስደተኛታት ክፍትኑ እንተመሪጾም ግና መሰሎም ምዃኑ’ዩ ዝጣበቕ።

ብፍላይ ቆልዑን ደቂንስትዮን ብዝያዳ ክንክን ክግበረሎም ካብ ዝብል እምነት እቲ ትካል ንምሕብሓቦም ዝከኣሎ ይገብር ከምዘሎ’ውን ይገልጽ።

ኣብ ካሌ ብዘይካ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን፣ ዜጋታት ሱዳን፣ ሶማል፣ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን’ውን ኣለዉ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0