ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ትሽምት

 ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ክትሽምት ምጽንሓ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ወጻኢ ጉዳይት ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

    ሰሜን ኮርያ፣ ሓንቲ ካብተን ብዝሒ ኣጽዋር ዘፍርያ ሃገራት ኮይና፣ ዕዳጋታታ ናብተን ብእገዳ ዝሳቐያ ዘለዋን ምስ ሃገራት ምዕራብ ምቅዳው ዘየብለንን ሃገራት ከምእተቛምት’ዩ ዝግለጽ።

    ይኹን’ምበር ሰሜን ኮርያ እትፍርዮ ኣጽዋር፣ መብዛሕቱ ኣብ ዘመነ ሕብረት ሶቬት ዝፍረኢ ዝነበረ ዓይነት ብምዃኑ ምስዚ ዓለምና በጺሃቶ ዘላ ወትሃደራዊ ቴክኖሊጂ ንኽቓዶ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይጠቕሱ።

    ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ካብ ዝሸጠቶ ኣጽዋር ተተኮስቲ፣ ቦምባታት ሚሳይላትን ዘጠቓለለ ምዃኑ’ውን ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ የመልክት።

    መንግስቲ ኤርትራ ዝበዝሐ ዘህልኾ ባጀት ንወትሃደራዊ መዓላ ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ዝሰማምዕሉ ነጥቢ ኮይኑ፣ ካብ ታሕሳስ 2009 ንደሓር ብባይቶ ጸጥታ ድሕሪ ዝተነብረሉ እገዳ ግና ከም ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዝኣመሰለ ክፍልታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሰኣን እኩል መቀያየር ኣቝሑ ብኸቢድ ተሃስዩ ምህላዉ ይንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0