“ኤርትራ ካብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ምስሓባ፣ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዘሕፍር ፍጻሜ’ዩ” ገዳይም ተጻወትን ኣሰልጠንት

“ኤርትራ ካብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ምስሓባ፣ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዘሕፍር ፍጻሜ’ዩ” ገዳይም ተጻወትን ኣሰልጠንት

Radio Erena: April 1, 2014

eri team CAN

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ብሉጻት ተጻወቲ ከተፍሪ ዝኸኣለት ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ህድማ ተጻወቲ ካብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ምስሓባ፣ ንሓያሎ ገዳይም ተጻወቲ ነበረን ኣሰልጠንትን ከምዘጉሃዮም፣ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣብ ዝልኣኹልና ሓበሬታ ገሊጾም።

ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ 1957 ካብ ዝተጀመረሉ ኣትሒዙ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ እናተሰለፉ ዝጻወቱ ዝነበሩ ብሉጻት ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ጥርዙ ክበጽሕ ደኣ’ምበር፣ ብኸምዚ ክዛዘም ትጽቢት ከምዘይነበሮም’ውን ጠቒሶም።

 

ብፍላይ ኣብ 1962 ኣብ ኢትዮጵያ ተኣንጊዱ ብዓወት ኢትዮጵያ ዝተዛዘመ ዋንጫ ኣፍሪቃ መብዛሕቶም ብሉጻት ተጻወቲ ኤርትራውያን ምንባሮም ጸብጻባት ስፖርት የመልክቱ።

ኤርትራ ስፖርተኛታት ኣብ ብሽክለታን ጉያ እግሪን ዘመዝግብዎ ዘለዉ ዓወታት ኣብ ኩዕሶ እግሪ’ውን ክረአ ዘይምኽኣሉ፣ ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ብሓፈሻ ስፖርት ኮሚሽን ድማ ብፍላይ ንኩዕሶ እግሪ ዝህቦ ትሕት ቆላሕታ ምዃኑ’ዩ ዝግምገም።

ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ መብዛሕቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፣ ከምቶም ኣብ ቅድድም ብሽክለታን ጉዳ እግሪን ዝወዳደሩ ኤርትራውያን ዕቱብ ቆላሕታን ከምዘይግበረሎም’ዮም ዘምዕዘምዝሙ።

ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝመሓደር ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ክUኦሶ እግሪ ካብ ሃገራዊ ግጥማት ወጺኢ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውይን ግጥማት ከድምዕ ኣይክእልን’ዩ ዝብል መደምደምታ ምብጽሑ’ውን ከምዘሕዝኖም ብተደጋጋሚ ዝገልጽዎ’ዩ።

ብመስረት እቲ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ድማ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ደቡብ ሱዳን ናይ መጻረዩ ግጥም ንምክያድ ልምምድ ጀሚራ እኳ እንተነበረት፣ ካብቲ ግጥም ክትስሕ ብሃንደበት’ዩ ተወሲኑ።

እቲ ውሳኔ ድማ ቅድሚ ንሃገራዊት ጋንታ ንኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ከምዝተሓበረን ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ግና ብትሒም ጥራይ ከምዝሰምዕዎን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋን ንምስታፍ በብእዋኑ ናብ ኬንያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን ካብ ዝልኣኸቶም ተጻወትን ኣስልጠንትን ኣስታት 50 ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ ኣይርሳዕን።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0