ኤርትራ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዙር ለ’ኣቨኒኽ  ክትሳተፍ  ዕድመ ቀሪቡላ

ኤርትራ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዙር ለ’ኣቨኒኽ ክትሳተፍ ዕድመ ቀሪቡላ

Radio Erena: 14 February 2019

ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 15 ክሳብ 25 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ለ’ኣቨኒኽ ክትሳተፍ ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ከምዝቐረበላ ጋዜጣ ለ’ኢኵፕ ኣፍሊጣ።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ምስ ዙር ፈረንሳ ተመሳሳልነት ዘለዎ ቅድድም ክትሳተፍ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ዝቐረበላ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝተኻየደ፣ ዙር ለ’ኤስፕዋኽ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም፣ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ቅድድም ብኽሽክለታ ኤርትራ፣ ተዓዋቲት ብምዃና’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ተዓዋቲት ናይቲ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ዙር ኣሚሳ ቦንጎን፣ ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ትሕቲ 23 ዓመት ዙር ለ’ኤስፕዋኽን ዝኾነት ርዋንዳ፣ ኣብዚ ናይ ፈረንሳ ዙር ለ’ኣቨኒኽ ናይ ክብሪ ዕድምቲ ኮይና ምውድዳራ ኣይርሳዕን።

ዙር ለ’ኣቨኒኽ፣ ምስቲ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ብዕብየቱን ብዝሒ ተሳተፍቱን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዙር ፈረንሳ ዝመሳሰል ኮይኑ፣ ኣብዚ ቅድድም ንምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ጀመርቲ (ኣማተር)ን ብጋንታ ዘይተሓቖፉ ናይ ውልቂ ተቐዳደምቲን ዝሳተፍዎ’ዩ።

ኣብ 2015፣ ኣብ ታሪኽ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ንመጀመርያ እዋኑ፣ ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ናትናኤል ብርሃነን ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ብምዃን ከምዝተሳተፉ ኣይርሳዕን።

ምስ ኣህጉራውያን ክለባት ይኹን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ዝተሓቖፉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ብደረጃ ዓለም ቆላሕታ ረኺቦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0