“መን ይፈልጥ? ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን።” ለማ መገርሳ

“መን ይፈልጥ? ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን።” ለማ መገርሳ

Radio Erena: 14 February 2019

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ብምኽንያት ጽምብል መበል ሻውዓት ምልኻል ሃገር፣ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ “መን ይፈልጥ ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን ክብል ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ኣቶ ለማ መገርሳ፣ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ፣ ስለምንታይ ሓይሊ ባሕሪ የድልያ ኣሎ?” ንዝብል ካብ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሕቶ፣ ኣብ ዝሃቦ መልሲ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ንሱ፣ ሓይሊ ባሕሪ ንምውናን ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ኣየድልን። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን፣ ሓይሊ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ኣለዋ ድሕሪ ምባል፣ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዝህልወና ጽቡቕ’ዩ። ምናልባት’ውን መን ይፈልጥ ንመጻኢ ይህልወና ይኸውን ክብል’ዩ መሊሱ።

መልሲ ናይዚ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ምንታይ ዝዓለመ ምዃኑ ንጹር እኳ እንተዘይኮይነ፣ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ንእተቑሞ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ መን’ያ ክትረክብ? ብኸመይ ብዝሉ ሕቶታት ግና ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ገኒንንንኖም ይርኣዩ ኣለዉ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝፈረሰ ሓይሊ ባሕራ፣ ደጊማ ተበራብሮ ከምዘላ ብወግዒ’ያ ኣፍሊጣ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0