ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝካየድ ክሊማዊ ዋዕላ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 28 February 2023

ኤርትራ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዘለናዮ ዓመት ኣብ ዝካየድ ኬንያ እተአንግዶ ክሊማዊ ዋዕላ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ።

እዚ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ መስከረም ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ፡ ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼብኡ ዘጽደቖ ውሳነ ዝካየድ ኮይኑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ንዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታት ሓባራዊ ግብረመልሲ ክህባሉን ክደጋገፋን ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ።

ኤርትራ እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዓመት ብዋሕዲ ዝናብ ክጥቃዕ ተኽእሎ ብምህላዉ፡ ነዚ ቅድመ ምድላዋት ንምግባር ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ክግበሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0