ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፈር፣ ናጻ ናይ ንግዲን ሰብን ምንቅስቓስ ገና ምሉእ ብምሉእ ብዘይምትግባሩ፣ ኣብ ተመለስቲ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣፍሊጡ

Radio Erena: 28 February 2023

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ውግእ፣ ናብ ዞባታት ኣምሓራን ዓፈርን ድሕሪ ምስፍሑ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ክልል ዓፈር፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ቤት ንብረቶም ተመሊሶም ስሩዕ ህይወቶም ክመርሑ ይፍትኑ እኳ እንተለዉ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናብቲ ዞባ ብምኻድ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሰመራ ዝርከብ ህዝቢ፣ ሃለኽቲ ነገራት ዝጸዓና ዓበይቲ መካዪን ብናጽነት ክንቀሳቐሳ ብዘይምኽኣለን፣ ዋላ’ኳ ናብ ቤቶም እንተተመለሱ፣ ዕዳጋታት ጥርሑ ከምዝተረፈ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ኮሚሽን፣ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲን ኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤትን ዝልገስ ሓገዝ፣ ምዕሩይ ምቕረሐ ስለዘይብሉ፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ህዝቢ ተወጺዑ ምህላዉ ገሊጹ’ዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባ ኮይኑ ዝጸንሐ ከባቢታት፣ ዝተተኽለ ነተጉትን ትርፍራፍ ተተኮስትን ብግቡእ ስለዘይተኣረየ፣ ንህይወት ህዝቢ’ቲ ከባቢን ጥሪቱን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዎ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ፍሉይ ክንክን ዘድልዮም ከም ነፍሰ-ጾራት፣ ህጻናት፣ ኣካለ ስንኩላንን ናይ ዕድመ ሰብጸጋን እውን፣ ግቡእ ክንክንን ናይ መድሃኒትን ሕክምናን ኣገልግሎትን ዘይረኸቡ ዘለዉ ኣካል ሕብረተሰብ’ቲ ክልል ኮይኖም ምህላዎም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0