ኤርትራ ኣብ እትርከበን 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን የመንን፣ 48 ሚልዮን ህዝቢ፣ ብሰንኪ ኣንበጣ፣ ስእነት መግቢ ኣንጸላልዩዎ

Radio Erena: 18 December 2020

ኤርትራ፣ ኣብ እትርከበን 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን የመንን፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ እብ ኣእካልን ዘራእትን ብስንኪ ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት፣ 48 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ስእነት መግቢ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓሙሽተ ካብኣተን፣ ዝመጽእ ዓመት’ውን 39 ሚልዮን ህዝቢ፣ ውሕስነት መግቢ ከምዘይህልዎ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ; ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካትን ኣብ ቁጽጽር ንምእታውን ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ እቲ ወራር ክሳብ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይ 2021 ክቕጽል ስለኽእል ተወሳኺ ምክትታልን ጥንቃቐን ከምዘድሊ ኣስሚርሉ።

ዛጊት ኣብዘን 10 ሃገራት ብድምር፣ ኣብ 1.25 ሚልዮን ሄክታር መሬት፣ዕስለ ኣንበጣ ክርአ እንከሎ፣ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዘራእቲ ከቢድ ጉድኣት’ዩ ኣውሪዱ።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካትን ብሰንኩ ንዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝን፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ናይ 191 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዝረኸበ’ዩ ጠቒሱ።

እዚ ምወላ’ዚ ድማ ምስ መንግስታት ብምትሕብባር፣ ኣብ ምልላይን ምቁጽጻርን ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ምንጻግ መድሃኒታትን ስድራቤታት ኣብ ምሕጋዝን ከምዝወዓለ ተመልኪቱ።

እተን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ጉድኣት ዘብጽሃለን 10 ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያን የመንን’የን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0