ግብጺ፣ ምስ ሶማል ዛሕቲሉ ዘሎ ዝምድና ከተመሓይሽ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 18 December 2020

ግብጺ፣ ምስ ሶማል ዝጸንሓ ዝሕቱል ዝምድና፣ ከተመሓይሾ ከምእትደሊ፣ ናብ ሞቛድሾ በጺሑ ንዝተመልሰ ላዕለዋይ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ግብጺ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣል ሞኒተር ሓቢሩ።

እቲ ብተሓጋጋዚ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ሸሪፍ ዒሳ ተመሪሑ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሞቛድሾ ዝበጽሐ ልኡኽ ዲፕሎማሲ ግብጺ፣ ኣብ ምዕባይ ርክባት ክልቲኤ ሃገራት ብዝምልከት ከምዝተመያየጠ ተገሊጹ።

ግብጺ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዲፕሎማስያዊ ርክባት መስሪታ ብምባል፣ መንግስቲ ሶማል ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ዝምድንኡ ምስታ ዓረባዊት ሃገር ኣዛሕቲሉ’ዩ ጸኒሑ።

ምስኡ ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ሞቛድሾ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ብሓገዝ ተዋፊሮም ዝነበሩ ግብጻውያን፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ዓዶም ክምለሱ ብመንግስቲ ሶማል ተነጊርዎም።

ግብጺ፣ ምስ ጎረባብቲ ናይታ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮምን ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዝምድንኣ ምዕባይ ብዝያዳ ትደፍኣሉ ምህላዋ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0