ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ የንጸላሉ

Radio Erena: 23 February 2023

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንመበል 6ይ ተኸታታሊ ወቕቲ ሕጽረት ዝናብ ክኽሰት ከም ዝኽእል ተኣሚቱ።

ክፍሊ ቁጠባዊ ትንበያን ትግባረን ኢጋድ ብረቡዕ 22 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕ ትሑት መጠን ዝናብ ከም ዝረኽባ ኣሚቱ።

ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ኬንያን ኡጋንዳን ብደርቂ ክጥቅዓ ከም ዝኽእላ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ጂቡቲን ምዕራብ ኬንያን ካብ ንቡር ንላዕሊ ዋዒ ክፍጠር ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ኣቦ ወንበር ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደጋ ድርቂ ኣንጸላልዩ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ መንግታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ንምብዳህ ክዳለዉን፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋጥም ምትሕግጋዞም ከሐይሉን ጸዊዑ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ግዜ ብሕጽረት ዝናብን ድርቅን ክጥቃዕ ዝጸንሐ ኣከባቢ ኮይኑ፡ ብሰንኪ እዚ ባህርያዊ ምልውዋጥ ኣየር፣ ከበድቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ክፍጠሩ ከም ዝጸንሑ ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0