ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንእስራኤል ሂብዋ ዝነበረ ፍቓድ ናይ ተዓዛብነት መንበር ኣደስኪሉ

Radio Erena: 22 February 2023

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንእስራኤል ሂብዋ ዝነበረ ፍቓድ ናይ ተዓዛብነት መንበር ከም ዘደስከሎ ሓቢሩ።

ምክትል ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ዝኾነት ሻሮን ባር-ኢል፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንኣምባሳደር እስራኤል ዝተላእከ ዕድመ ሒዛ ኣብ ኣኼባ ክትሳተፍ ድሕሪ ምርካባ፡ ካብ ኣደራሽ ጉባኤ ከም ዝተባረረት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ዋና ጽሓፊ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ናይ እስራኤል ናይ ተዓዛብነት መንበር ንግዚኡ ከም ዘደስከሎን፡ ወኪላት እስራኤል ኣብቲ ጉባኤ ከም ዘይዕደሙን ብምሕባር፡ ነቲ ብቐዳም ዘጋጠመ ክስተት ኣመልኪቱ ምጽራያት ይግበር ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ ተዓዛብነት ወንበር ንኽወሃባ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ዘካየደቶ ጻዕሪ፡ ብበይናዊ ውሳነ ዋና ጽሓፊ ሙሳ ፋቂ ፍቓድ ተዋሂብዋ ኔሩ።

እቲ ውሳኔ ኣብ ግዚኡ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘቖጠዐ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እስራኤል ን20 ዓመታት ዝጸዓረትሉ ጉዳይ ተዓዛብነት ኣብ 2ተ ዓመቱ ብድሆ ገጢምዎ ይርከብ።

እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንተዓዛብነት እስራኤል ክስርዝ ዘኽእል ሕጋጋት ከም ዘይብሉ ብምጥቃስ ተቓውሞኣ ክትገልጽ እንከላ፡ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን፡ ምስ ኢራን ተሻሪኸን ዝወጠንኦ ሽርሒ እዩ ኢላ።

እስራኤል ብተወሳኺ፡ ወኪል ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራ መብርሂ ንኽህብ ጻውዒት ልኢኻትሉ ኣላ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0