‘ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት፣ 293 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም።’ CPJ

Radio Erena: 10 December 2021

2021፣ ብደረጃ ዓለም ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተኣስርላ ዓመት’ያ ክብል ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ፣ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ9 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ 293 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ቻይና ብዝኣሰረቶም 50 ዝኾኑ ጋዜጠኛታት፣ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ሚያንማር 26፣ ቬትናም 23ን ቤላሩስ ድማ 19 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ምቕያደን CPJ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ን20 ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊኣቶም ብዘላ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፣ ቀዳማት ደረጃ ሒዛ’ያ ትቕጽል ዘላ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ናጽነት ፕረስ ብእትገብሮ ዘላ ደረትን ጋዜጠኛታት ብምእሳርን፣ ንኤርትራ ስዒባ ካልኣይቲ ኣላ።

ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ብናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ’ያ ትርከብ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0