ፈረንሳ፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ 10 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ብሓገዝ ለጊሳ

Radio Erena: 10 December 2021

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣቐዲሙ ብዝኣተዎ መብጽዓ መሰረት፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝውዕል 10 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ብሓገዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ብ08 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ኣስተራዘኒካን ፋይዘርን ዝዓይነቱ ክታበታት፣ እቲ ልዕሊ 60% ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሰርዖ ክታበት ናብ ኩሉ ናይ ምብጻሕ መደብ ኮቫክስን ናብ 38 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተኸፋፈለ ገሊጹ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት 120 ሚልዮን ዶዝ ንምልጋስ መደብ ከምዘሎን እቲ 73 ሚልዮን ድሮ ከምዝተዳለወን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ ብዝሒ ናይ ዝተኸትቡ ዜጋታተን ልዕሊ 60% ክበጽሕ እንከሎ፣ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ህዝቢ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ ግና ክታበት ክረክብ ዝኸኣለ ብዝሒ ህዝቢ 2% ጥራይ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ነዚ ብመደብ ኮቫክስ ዝረኽብኦ ዘለዋ ክታበት፣ ኮረና ቫይረስ ኣብ ምግታእ ኣብ ቅድመ ግንባር ንዝርከቡ ሓካይም፣ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና፣ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ንዘለዎን ዜጋታተን ቀዳምነታት ኣብ ምሃብ ይርከባ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መደብ ኮቫክስ ዘይተጸንበረትን፣ ዛጊት ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ዘይጀመረትን እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ’ያ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0