“ኤርትራ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል፣ ገና ዘይተማልአ ኩነታት ኣሎ፣” ኣምባሳደር ብሪጣንያ

Radio Erena: 19 May 2017

UK Ambassador

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል፣ ገና ዘይተማልአ ኩነታት ከምዘሎ ቀዋሚ ወኪል ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደር ማቲው ራይክሮፍ ምግላጹ ማዕከን ዜና ኢንረ ፕረስ ቲቪ ሓቢሩ።

እቲ ወኪል ብሪጣንያ ነዚ ዝገለጸ፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ኣመልኪቱ ብሮቡዕ 17 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ዘተ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ይልዓል ዶ ኣይልዓል ኣብ ዝብል ናይ ውሳኔ ኣኼባ ምክያዱ፣ ህሉው ኩነታትን ሓድሽቲ ምዕባለታትን ገምጋም ከምዘድልዮ ዝሓበረ እቲ ኣምባሳደር፣ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ብውህደት ክሰርሓ ኣተሓሳሲቡ።

ኤርትራ፣ ካብ እገዳ ዘናግፋ ዕማማት ከምዘሰላሰለት ብመርትዖታት ኣሰንያ እንተቕሪባ፣ ክዝትይሉ ምዃኖም’ውን እቲ ወኪል ብሪጣንያ ጠቒሱ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክናዋሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ውሳኔ ኣብ ዘሕለፈሉ፣ ሓሙሽተ ሃገራት ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ከምዝገበራ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት’ዚ ብዛዕባ እገዳ ኤርትራን ሶማልያን ውሳኔ ንምሃብ ዝእከብ ባይቶ ጸጥታ፣ ኢትዮጵያ እትርከበን ሓሙሽተ ሓደስቲ ኣባላት ጸንቢሩ ኣሎ።

ሓሙሽተ ቀወምቲን 10 ከኣ ተካእቲ ወይ ዘይቀወምቲ፣ ብጠቕላላ 15 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011፣ ክልተ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ይልዓል ዶ ኣይልዓል ኣብ ዝብል ጉዳይ ውሳኔ ንምሃብ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ኣኼባ ከካይድ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0