ፈረንሳ፣ ካብ 22 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት እተን 11 ደቂንስትዮ ኮይነን

Radio Erena: 19 May 2017

French Cabinet Ministers

ሓድሽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ፣ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ደቂንስትዮ ኮይነን።

ወዲ 39 ዓመት ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ንወዲ 46 ዓመት ኤድዋርድ ፊሊፕ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ድሕሪ ምርቁሑ፣ ካብ 22 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ከኣ እተን 11 ደቂንስትዮ ክኾና ተመዚዘን።

ሓድሽ መንግስቲ ፈረንሳ ብደቂንስትዮ ዝተዘናቐ ኮይኑ፣ ዝተፈላለየ መርገጺታት ዘለዎም ፖለቲከኛት ሓቑፉ ኣሎ።

ደቂንስትዮ ብብዝሒ ኣብ ስልጣን ክመጻ፣ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር እዚ ንመጀመርያ’ዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ቆይሙ ዘሎ መንግስቲ ፈረንሳ እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ ሚኒስተር ወዲ 34 ዓመት ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ከኣ ወዲ 69’ዩ።

እዚ ደቂንስትዮ ብማዕረ ዝተፋረቕኦን መንእሰያትን ኣብ ማእከላይ ዕድመን ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ዝበዝሕዎ ሓድሽ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ዓብላሊ ኣባላት እንተረኺቡ፣ ኣብ ምሕደራ ቁጠባን ዕዮን ብዙሕ ለውጥታት ክገብር ምዃኑ’ዩ ተመባጺዑ ዘሎ።

=====================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0