ኤርትራ ኣባል እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረሽበራ ምዃና ኣፍሊጣ

ኤርትራ ኣባል እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረሽበራ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 23 December 2015

Isu Arab

ኤርትራ ኣባል እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጣ።

ኤርትራ ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ብምክያድ ምስ ንጉስ ሳልማንን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብስዑዲ ዓረብ ብወግዒ ኣብ ዝተኣወጀሉ 34 ሃገራት ከምዝተጸንበርኦ ክግለጽ እንከሎ፣ ኤርትራ ከኣ ኣብ መወዳእታ ኣባሉ ምዃና ኣረጋጊጻ ኣላ።

 

እዚ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ንምምካት ዝቖመ’ዩ ዝብሃል ዘሎ እስላማዊ ምትእኽኻብ፣ እስላማዊ መንግስቲ ዘይብለን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ተጸንቢረንኦ ኣለዋ።

22 ኣባላት እዚ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኾና እንከለዋ፣ ኣርባዕተ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ ሸሞንተ ካብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ሓንቲ ሃገር ድማ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኤስያን እትርከብ’ያ።

ኣባላት እስላማዊ ኪዳን፣- ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ቻድ፣ ግብጺ፣ ሊብያ፣ ማሊ፣ ቱኒዝያ፣ ኒጀር፣ ናይጀርያ፣ ኣይቮሪኮስ፣ ቤኒን፣ ጊኒ፣ ጋቦን፣ ቶጎ፣ ሰራልዮን፣ ሰኔጋል፣ ሞሮኮ፣ ኮሞሮስ፣ ሞሪታንያን ማልዲቪስን ካብ ኣፍሪቃ ክኾና እንከለዋ ባንግላድሽ፣ ፍልስጤም፣ ፓኪስታንን ማሊዥያን ኣርባዕተ ሃገራት ከኣ ካብ ርሑቕ ምብራቕ’የን።

ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ቐጠር፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ የመን፣ ኩዌት፣ ባሕሬን፣ ዮርዳኖስ፣ ሊባኖስ ቀንዲ ኣባላት እቲ ኪዳን ‘የን።

ንኤስያን ኤውሮጳን ዘተኣሳሰራት ቱርክሊ’ውን ኣባል እዚ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ዝቐመ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ’ያ።

እዚ ኪዳን ዝበዝሓ ኣባላቱ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ምዃነን፣ ካብቲ ኣብ ኣህጉራዊ ቃልሲ ኣንጻር ሽበራ ዘበርክትኦ ንላዕሊ፣ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝልገስ ቢልዮናት ዶላራት ዘቛምታ ምዃነን ሓያሎ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኤርትራ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ብምትሕግጋዝ፣ መራኽብ ኵናት ኢማራት ዓረብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ክጽግዓን ኣብ ርእሲ ምፍቃዳ፣ ሰራዊት ናይቲ ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ከኣ ኣብ ምስልጣን ከምእትርከብ ይፍለጥ።

ብስዑዲ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ደብዳብ ኣብ ዝጀመረሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዝዓይነቱ ምትእኽኻብ ከምዘይድግፍ ብወግዒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ’ቲ ንጉስ ሳልማን ዝገበረሉ ዕድመ ናብ ሪያድ ዑደት ምክያዱ ቃንኡ ብምቕያር ብግሁድ ምስቲ ኪዳን ከምዝተጸንበረ ይዝከር።

ሕጂ ድማ እቲ ፕረዚደንት ንኻልኣይ እዋኑ ናብ ሪያድ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ኤርትራ ኣባል እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ምዃና ብወግዒ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኤርትራ ከም’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቐርበላ ዘሎ ጠለብ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሰራዊታ ናብ የመን ከምዘይልኣኸት ዝተፈላለዩ ምንጭታት የረጋግጹ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ኣብ እተካይዶ ዘላ ኵናት ካብ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ሰኔጋልን ካልኦት ሃገራትን፣ ናይ ድጋፍ ሰራዊት ክልኣኻ ብተደጋጋሚ ከምዝሓተተ ዘመልክቱ እቶም ምንጭታት፣ ነዚ ናይ ስዒዲ ዓረብ ጠለብ ዘማልኣሃገራት ሱዳንን ግብጽን ጥራይ ምዃነን የረድኡ።

ሱዳን ኣምሳያ ናይቲ ናብ የመን ዘዋፈረቶ ሰራዊት ካብ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክብርከተላ’ዩ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝዋፈር እኹል ኣጋር ሰራዊት ክህልዎ ብዘይምኽእሉ፣ ካብ ኮሎምብያን ካልኦት ሃገራትን ዕሱባት ወትሃደራት ኣዋፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ምስ ምቋም እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ከኣ፣ ሓያሎ ሃገራት ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃአራዊ ሓይሊ ንምጽንባር ሰራዊተን ከዋፍራ ከምዝኽእላ ይግለጽ።

ኣምሳይኡ ከኣ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝተዋጽአ ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ ክብርከተለን’ዩ።

ኤርትራ ኣባል እቲ ብምምሕዳር ቡሽ ኣብ 2001 ዝቖመን ብኣመሪካ ዝተመርሐን ኣህጉራዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ካብ ዝኾና ቀዳሞት ሃገራት ምንባራ’ውን ኣይርሳዕን።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0