ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኦሮሞን ሓይልታት ጸጥታን መንግስትን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ዝወረደ ዕንወት ብናጻ ኣካል ክግምገም ጻውዒት ቀሪቡ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኦሮሞን ሓይልታት ጸጥታን መንግስትን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ዝወረደ ዕንወት ብናጻ ኣካል ክግምገም ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 24 December 2015

Or Pr

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ ኣብ መንጎ ህዝብን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ናይ ዝጠፍአ ህይወትን ዝዓነወ ንብረትን ዝግምግም ናጻ ኣካል ክቐውም ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ጻውዒት ዝቀረብ ዘሎ፣ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፣ ቁጽሪ ናይቶም ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝተቐትሉ ተወላዶ ኦሮሞ 85 ምዃኑ ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ተወላዶ ኦሮሞ ብፈኵስን ከቢድን ከምዝቖሰሉ ዘ ሪፖርተር ንመራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብምዝርራብ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ጠቒሳ።

 

ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ግጭት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሽሕ ተወላዶ ኦሮሞ ከምዝኣሰረ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርከብ።

ተወላዶ ኦሮሞ፣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝሓንጸጾ፣ ከተማ ናይ ምስፋሕን ካልእ ናይ መሬት ውጥናትን ብምቕዋም ዝጀመርዎ ተቓውሞ፣ ናብ ናዕብን ዕግርግርን ድሕሪ ምዕራጉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሃድአ ይንገር።

እዚ ብተወላዶ ኦሮሞ ዝፈለመ ተቓውሞ ናብ ክልል ኣምሓራ’ውን ተመሳሳሊ ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ፈጢሩ ይርከብ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ፣ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ዝጸለወ ደርቂ ንምምካት 1.4 ቢልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ ኣቐዲማ ናይ ኣስታት 90 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ከተበርክት እንከላ፣ ብሪጣንያ ከኣ ነቲ ደርቂ ንምምካት ልዕሊ 33 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ለጊሳ ኣላ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0