ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ክትቅጽል ዳግማይ ተመሪጻ

Radio Erena: 17 October 2021

ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ክትቅጽል ዳግማይ ተመሪጻ።
ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብዕለት 14 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኤርትራ እትርከበን 18 ሃገራት፣ ኣባል’ቲ ባይቶ ኮይነን ክቕጽላ መሪጹወን።
ኣብቲ ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ዝተሓዝ ወናብር’ቲ ባይቶ፣ ኤርትራ ካብ 193 ድምጺ፣ 144 ብምርካብ ኣባልነታ ክትቅጽል ተመሪጻ።
ብምግሃስ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ክኸውን፣ ስግንጢርነት ናይቲ ኩነታት ዘርእይ እዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተቓውሞታቶም ገሊጾም’ዮም።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት በብእዋኑ ዘቖመን ራፖርተራት፣ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸይድ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸመ ገበናት፣ መርትዖታት ከምዝረኸባ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻባተን ኣቕሪበን’የን።
ምስ ኤርትራ ዳግማይ ኣባልነተን ዘረጋገጻ ሃገራት፣ ካሜሩን፣ ሶማልያ፣ ህንዲን ኣርጀንቲናን እየን።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ካብቲ ባይቶ ኣባልነታ ስሒባ ዝነበረት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ምርጫ፣ 168 ድምጺ ብምርካብ ዳግማይ ኣባልነታ ኣረጋጊጻ ኣላ።
47 ኣባል ሃገራት ዝምረጻሉ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ 13 ንኣፍሪቃ፣ 13 ንኤስያ ፓሲፊክ፣ ሸሞንተ ንላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን፣ ሸውዓተ ንምዕራብ ኤውሮጳ፣ ሽዱሽተ ከኣ ንምብራቕ ኤውሮጳ ዝተሓዝአ እዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0