‘መርገጺየይ፣ ማእከላይ ወይ መንጎኛ ኣይኮነን’ ቀ.ሚ. ዓብደላ ሓምዶክ

Radio Erena: 17 October 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን፣ መርገጺኡ ማእከላይ ወይ ኣተዓራቒ ከምዘይኮነ ኣነጺሩ።

ንሱ ብ15 ጥቅምቲ ንዝቢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ ኣብ መንጎ ብሲቪካውያን ማሕበራት ዝቖመ ልፍንቲን፣ ወተሃደራዊ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲን ምትፍናን ምስተፈጥረ፣ ብኣልቡርሃን ዝመራሕ ኣካል፣ እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዘቖሞ ካቢኔ ክፈርስ፣ ስልጣን ከኣ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ክጸንሕ ንዝብል እማመ ብትሪ ከምዝቃወሞ ኣፍሊጡ።
ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ ሱዳን ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ንምርግጋጽ ከም ቀንዲ ዕማመይ ወሲደዮ እየ ብምባል፣ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ናይ መተዓረቒ ሓሳባት ኣቕሪቡ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ተደናገጽቲ ፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር ብዝፈጥሩዎ ዘለዉ ፖለቲካዊ ነውጺ፣ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝኾነ፣ ኩሎም ወገናት ክነቕሑሉ ኣዘኻኺሩ።
ካብ ሓይልታት ሰራዊትን፣ ልፍንቲ ሲቪካውያን ማሕበራትን ተዋጺኡ ዝቖመ ቆንስል መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ቀዋሚ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል፣ በብእብረ ስልጣን ክሕዙ ስምምዕ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፣ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ኣብ ትሕቲኡ ክጸንሕ እዩ ዝጠልብ ዘሎ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ወጽዓ ብህዝባዊ ናዕቢ ንኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝዓለወ ህዝቢ ሱዳን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ምምራጹ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0