ኤርትራ ኣሲራቶም ዘላ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትፈትሕ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ደጊሙ ጸዊዑ

Radio Erena: 09 June 2020

ኤርትራ፣ ሒዛቶም ዘላ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትፈትሕ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ እታ ሃገር፣ ፋሃድ ካፋየን ደጊሙ ጸዊዑ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ኣጠንቂቑ።

ንሱ ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኤርትራ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክሊ ማያት የመን ብምእታው ትፍጽም ከምዘላ ብምጥቃስ፣ ልኡኣላውነት የመን ከተኽብር ኣዘኻኺሩ።

ብ3 ሰነ ግጭት ቅድሚ ምክያዱ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ደሴታት ዝቑር ሓኒሽ፣ ኣብ 15 ጀላቡ ንዝነበሩ ኣስታት 120 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ከምዝሓዞም መንግስቲ የመን ይወቕስ።

ነቶም 62 ኣብ ጽባሕ’ቲ ግጭት ከፋንዎም እንከሎ፣ ነቶም ዝተረፉ ግና ክሳብ እዚ ዕለት እዚ ሒዝዎም ብምህላዎ፣ ብዝቐልጠፈ ክፍንዎም እቲ መንግስቲ ይሓትት።

መንግስቲ የመን ብተወሳኺ፣ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ንምክልኻል ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሸሞንተ ኤርትራውያን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ማሪኹ ከምዘሎ ይገልጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0