”ኤርትራ ንኢራን ኣየጥቀትን” ኣምባሳደር መሓመድ

ኤርትራ ንኢራን ብምትሕብባር ተቓወምቲ የመን ተዕጥቅ ኣላ ንዝብል ኣብ ጋዜጣታታት የመን ኔሽንንን ጋዜጣ ኣል ሻርቕ ኣልኣውሳጥን፣ ንዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ መሓመድ ናይ ኣሉታ ምላሽ ከምዝሃበሉ ሰሙናዊ ጸብጻብ ወሽመጥ ዓደን ኣመልኪቱ።

    እተን ኣብ የመንን ዓዲ እንግሊዝን ብቋንቋ ዓረብ ዝሕተማ ጋዜጣታት ንዲፕሎማሰኛታትን ፖለቲከኛታትን የመን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ብሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ደሴታት ኤርትራ ንየመናውያን ተቓወምቲ ሆቲ የሰልጥኑ ምህላዎም’ዩ ዝወቕስ።

    ብዘይካ’ዚውን ኢራን ናብቶም ተቓወምቲ እትልእኮ ኣጽዋር ብደሴታት ኤርትራ ኣቢሉ ናብ ዞባ ሰዓዳ ናይ የመን ከምዝኣቱ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ።

    መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ኢራን ወትሃደራዊ ህላወ ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ደጋጊሙ’ዩ ዝገልጽ።

    እንተኾነ፣ ኢራን ምስ ኤርትራ ኣብ ወትሃደራዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዘተ ተካይድ ምንባራ፣ ወግዓዊ ትሩጅማን መንግስቲ ኢራን ነበር ኣሕመድ ሓሺሚ ኣብ ቱርኪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ ኣረጋጊጹ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0