ኤርትራ ንናጽነት ኮሶቮ ከምዘይትድግፍ ኣረጋጊጻ

Radio Erena: 13 March 2017

Serbia

ኤርትራ፣ ንናጽነት ኮሶቮ ከምዘይትድግፍን ምርግጋጻ፣ ፕረዚደንት ሰርብያ ቶሚስላቭ ኒኮሊች ከምዝነኣደ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ቅርበት ዘለወን ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ቤልግረድ ገሊጸን።

እቲ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ኤርትራ ንናጽነት ኮሶቮ ከምዘይትድግፍ ብምርግጋጽ፣ ኣባል ማሕበር ስነፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (UNESCO) ንኸይትኸውን ኣንጻራ ምድማጻ ኣሞጕሱ።

ኤርትራ፣ ነታ ካብ 2008 ኣትሒዛ ካብ ሰርብያ ተፈልያ ሉኣላዊት ሃገር ንምዃን እትሕልን ዘላ ኮሶቮ፣ ናጽነታ ንኸይትረክብ ኣብ UNESCOን ካልእ ኣጋጣሚታትን ተቓውሞኣ እተስምዓሉ ዘላ ምኽንያት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ይኹን’ምበር ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰርብያ፣ ከተማ በልግሬድ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት፣ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ርክባት፣ ኤርትራ ንናጽነት ኮሶቮ ከምዘይትድግፍ ደጊሙ ኣረጋግጊጾም።

ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ንምዃን እትሕልን ዘላ ሰርብያ፣ ብጉዳይ ኮሶቮ ኣብ ከቢድ ዲፕሎማሳዊ ቁርቁስ’ያ ትርከብ።

ሓያሎ ሃገራት ነታ ካብ 2008 ኣትሒዛ ካብ ሰርብያ ብምንጻል ናጽነታ ዝኣወጀት ኮሶቮ ከም ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር ክቕበልኣ እንከለዋ፣ ኤርትራ እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ግና ንናጽነት ኮሶቮ ነጺገንኦ ኣለዋ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብንኡስ ዓቐን ምስ ሰርብያ ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ዝጀመረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወኪሉ ናብታ ሃገር ክልእኽ እዚ ናይ መጀመርያ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሰርብያን ኤርትራን ኣብ ዝሓከፈ ዓመት ናይ 12 ሽሕ ኤውሮ ጥራይ ንግዳዊ ልውውጥ ከምዝነበረ ኣብቲ ናይ ርክብ ኣጋጣሚ ዝሓበረ ምክትል ቅዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሰርብያ ኢቪካ ዳቺች፣ እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ ንግዳዊ ልውውጥ እንታይ ምንባሩ ግና ኣየነጸረን።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ሰርብያ ዑደቱ፣ ሕርሻ፣ ዕደናን ካልእ ጽላታታን ዘተኮረ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንምምስራት ድልዉ ከምዘሎ’ዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ኣውራ ዕላማ ዑደት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ሰርብያ፣ ወትሃደራዊ ንዋት ንምሽማት ኣማራጺ ሃገራት ንምንዳይ ካብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ምዃኑ ተንተንቲ ግምታቶም ይህቡ ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0