ኢትዮጵያ፣ ኩምራ ጎሓፍ 46 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 13 March 2017

Ethio Garbage

ኣብ ኢትጵያ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ፣ ንሓያሎ ዓመታት ክኹመር ዝጸንሐ ጎሓፍ ብምፍራሱ ህይወት 46 ሰባት ከምዘጠፍአ ኣገግልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

37 ዝቆሰሉ’ውን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዲሪባ ኩማ ጠቒሱ።

በቲ ብቀዳም 11 መጋቢት ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ኩምራ ጉሓፍ ዝተደፍኑ ቁጽሮም ዘይተፍልጡ ሰባት ብምህላዎም፣ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክዛይድ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ኣፈኛ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዳግማዊት ሞግስ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ መብዛሕቶም’ቶም በቲ ዝፈረሰ ኩምራ ጎሓፍ ተደፊኖም ዝሞቱ ሰባት ቆልዑን ደቂንስትዮን ምዃኖም ኣረጋጊጻ።

 ኣብቲ ኩምራ ጎሓፍ ተዋፊሮም ዝተፈላለየ ነገራት ብምእካብ መዓልታዊ መነባብርኦም ንምምራሕ ዝቃለሱ፣ መብዛሕቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ኣብቲ ከባቢ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0