ኤርትራ ናይ 2019 መሪሕነት ካርቱም ፕሮሰስ ተረኪባ

ኤርትራ ናይ 2019 መሪሕነት ካርቱም ፕሮሰስ ተረኪባ

Radio Erena: 17 March 2019

ኤርትራ ናይ 2019 መሪሕነት ካርቱም ፕሮሰስ ተረኪባ።

ኮሚሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣሚራ ኣልፋድል መሓመድ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ዘካየደቶ ወግዓዊ ዑደት እያ ነዚ ሓላፍነት ንመንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ።

ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ከይኣትዉ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክኽልክል ዝቖመ እዚ ብካርቱም ፕሮሰስ ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ሃገራት ኤውሮጳን ምብራቕ ኣፍሪቃን፣ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መሪሕነቱ ኣብ ኢጣልያ እዩ ኔሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስታ ኮሚሽነር ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ዝስዕብ ደረጃ ካርቱም ፕሮሰስ 2019 ብመንጽር መንግስታዊ ምሕደራን ከምኡ’ውን ምእካብ ሓበሬታን ጸብጻብ ምቕራብን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝተዘራረቡ፣ ክፍሊ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ።

ኮሚሽነር ኣሚራ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኤርትራ ርክብ ከምዘካየደት እቲ ሓበሬታ ብዝተወሳኺ የመልክት።

ን37 ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝሓቖፈ እዚ ምትእኽኻብ፣ ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ተሳንዩ ዝሰርሕ ኮይኑ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ስደተኛታት ንምግታእ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ነዚ ምርካብ ሓላፍነት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ገለ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኣብ ምስግጋር ደቂሰብ ከምዝተዋፈሩ ዘርእይ መርትዖታት ቀሪቡ እንከሎ፣ ሓላፍነት ናይቲ ምትእኽኻብ ንኤርትራ ክወሃባ ስግንጢርነት ናይቲ ጉዳይ ዘርእይ እዩ ክብሉ’ዮም እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ።

ካርቱም ፕሮሰስ ኣብ 2014 እዩ ተመስሪቱ። ሓደ ዓመት ድሕሪሩ ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከኣ መግትኢ ስደተኛታት ዝውዕል ናይ 1.8 ቢልዮን ዩሮ ባጀት ሰሊዑ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እቲ ምትእኽኻብ፣ ነዞም ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን መንገዲ ኣብ መስግጋር ደቅሰብ ዝተዋፈሩ መንግስታት ፋይናንስያዊ ሓገዝ ምሃብ፣ ጉዳያት ካብ ምትሕልላኽ ሓሊፉ ዝኾነ ረብሓ የብሉን ክብሉ’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ኮሚሽነር ኣሚራ መሓመድ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን፣ ኤርትራ ንውዕላት ፕሮቶኮል ስንኩላን ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ንምቛም ትካል መድሃኒት ኣፍሪቃ ክትፍርም ጻውዒት ኣቕሪባ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0