‘ኤርትራ ብብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ካብ 205 ሃገራት ኣብ መበል 200 ተሰሪዓ’ ፊፋ

‘ኤርትራ ብብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ካብ 205 ሃገራት ኣብ መበል 200 ተሰሪዓ’ ፊፋ

Radio Erena: April 11, 2014

fifa

ካብ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ዝሰሓበት ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ማለት ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ደረጃ ብቕዓት ኣብ መበል 200 ተሰሪዓ።

ብመሰረት እቲ ትማሊ 10 ለካቲት ፊፋ ዝዘርግሐ ሓድሽ ደረጃ ብቕዓት፣ ኣብቲ መምዘኒ ካብ ዝተቐመጣ 205 ሃገራት፣ ኤርትራ ዓሚ ሒዛቶ ካብ ዝነበረት ደረጃ ብቕዓት ብሽዱሽተ ንታሕቲ ወሪዳ ንሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ በሊጻ ኣብ መበል 200 ተሰሪዓ ትርከብ።

ዝተሓተ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ኣለዋ ተባሂላ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ጅቡቲ ክትከውን እንከላ፣ እታ ምስ ኤርትራ ፈላሚ ናይ መጻርዩ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ 2015 ዝነበራ እሞ ኤርትራ ድሕሪ ምስሓባ ብፎርፌ ዝተዓወተት ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን፣ ድሕሪ ኤርትራ ኣብ መበል 201 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

 

ብኵናት ግኑን ስም ሒዙ ኣብ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሶማልያው’ውን ንኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ተኸቲላ መበል 202 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ደረጃ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ሃገራት፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃ ዝሓሸ ደረጃ ኣመዝጊባ ዘላ፣ ኢትዮጵያ ክትከውን እንከላ ካብ 205 ሃገራት ኣብ 101 ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ብራዚል ንዝካየድ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝንኣድ ብቕዓት ዘርኣየት ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ኡጋንዳ ኣብ ዞባ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ማለት ሴካፋ ናይ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ኣባላት ሴካፋ ዝኾና ሃገራት ብደረጃ እዚ ፊፋ ኣውጺእዎ ዘሎ ሓድሽ መሳልል እንተርኢናየን ድማ፣ ኡጋንዳ ኣብ መበል 85፣ ኢትዮጵያ 101፣ ኬንያ106፣ ሱዳን 117፣ ታንዛንያ 122፣ ብሩንዲ 125፣ ርዋንዳ፣129፣ ኤርትራ 200፣ ደቡብ ሱዳን 201፣ ሶማልያ 202 ጅቡቲ ድማ 205 ደረጃታት ሒዘን ኣለዋ።

ፊፋ፣ ብብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኣቐሚጡዋ ዘሎ ሕጂ’ውን ስጳኛ’ያ።

ንስጳኛ ተኸቲለን ድማ ጀርመን፣ ፖርቱጋል፣ ኡራጓይ፣ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ኢጣልያን ግሪኽን እተን ኣብ ዓለም ዝበለጻ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ዘለወን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0