ኤርትራ ሱታፌኣ ከየረጋገጸትሉ ዝጸንሐት ዙር ርዋንዳ ናብ ካልእ እዋን ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 19 January 2021

ካብ 21 ክሳብ 28 የካቲት 2021፣ ክካየድ መደብ ተሰሪዕሉ ዝጸንሐ፡ መበል 13 ዙር ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ፡ ናብ ካልእ እዋን ተሰጋጊሩ።

ወደብቲ ናይ’ዚ ውድድር: ነዚ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ማለት ዩ.ሲ.ኣይ. ናይ 2.1 መዐቐኒ ደረጃ ዘለዎን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕቤቱ ብሓባር ምስ ላትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ዙር ጋቦን ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕን ዙር ርዋንዳ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ወርሒ ለካቲት: ካብ 2 ክሳብ 9 ግንቦት ክሰላሰል’ዮም ወሲኖም።

እቲ ምኽንያት ድማ፣ ገና ስግኣቱ ዘይዝሓለ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ምዃኑ’ዮም ሓቢሮም።

እቲ ብፌርዋሲ ዝፍለጥ ርዋንዳዊ ኮሚቴ ወዳቢ ናይ’ዚ ውድድር ከም ዝሓበሮ እንተድኣ ኮይኑ፡ እዚ ከም መተካእታ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ግዜ መቓን፡ ብዩ.ሲ.ኣይ ተቐባልነት ክረክብ ድዩ ኣይፋሉን ገና ኣይተረጋገጸን።

ኣብ’ዚ ኣብ 8 መድረኻት ልዕሊ 910 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ክሽፍን ውጥን ወጺእሉ ምድላዋት ክግበረሉ ዝሓገየ ውድድር ዙር ርዋንዳ፡ ንኽሳተፋ: ሓንቲ ዎርልድ ቱር ክለብ፡ 4 ፕሮ-ኮንቲነንታል ክለባት፡ 7 ኮንቲነንታል ክለባትን 3 ሃገራውያን ጋንታታትን ብሓፈሻ 15 ጋንታታት መረጋገጺ ሂበን ኔረን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ሱታፌኣ ኣየረጋገጸትን ጸኒሓ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0