ኤርትራ ምስተን ግዱድ ዕስክርና፣ ወይ ምስባርነት ዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ዘለወን 10 ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ምዃና ተገሊጹ

ኤርትራ ምስተን ግዱድ ዕስክርና፣ ወይ ምስባርነት ዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ዘለወን 10 ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 03 March 2019

ኤርትራ ምስተን ግዱድ ዕስክርና፣ ወይ ምስባርነት ዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ዘለወን 10 ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ምዃና ተገሊጹ።

ባርነት ንዘካዪዳ ሃገራት ዝከታተል ኣህጉራዊ ትካል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጥራይ 9.2 ሚልዮን ዝበዝሑ ካብኦም ህጻናትን ደቀንስትዮን፣ ኣብ ባርነት ወይ ከኣ ምስ ባርነት ብዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ልዕሊ ፍርቂ ካብ’ዚኣቶም ግዱድ ዕስክርና፣ ዕዳን ኣምሳያ ክፍሊትን ዝጠንቁ፣ ኣብ ባርነት ክሳቐዩ እንከለዉ፣ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቦም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ምስራሕ ከምዝኾነ’ቲ ጠንቂ ይግለጽ።

ምስ ብዝሒ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ ኤርትራ፣ ብሩንዲን ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፖብሊክን ዘበናዊ ባርነት ብሰፊሑ ዝካየደለን ሃገራት ተባሂለን ብደረጃ ዓለም ዝጥቀሳ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ናይጀሪያን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ከኣ ልዕሊ 26.3 ሚእታዊት ናይቲ ዞባ ከምዝሽፍና ይግለጽ።

ኤርትራ፣ 451 ሽሕ ካብ ህዝባ፣ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ወይ ምስ ባርነት ብዝመሳሰል ኣተሓሕዛ ንዜጋታታ ተሳቕይ ዘላ ሃገር ምዃና፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝርከቦም ሓያሎ ትካላት ዓለም ኣቐዲሞም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ናትናኤል ያቅብ 3 years ago

    ትኽክል እዩ