ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ናብ  ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ኬንያን ክበጽሕ’ዩ

ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ናብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ኬንያን ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 04 March 2019

Macron

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ኬንያን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ካብ 11 ክሳብ 15 መጋቢት፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ዑደት፣ ኣብ ወትሃደራውን ቁጠባዋን ምትሕግጋዝ ክዝቲ’ዩ።

ብፍላይ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ምስፍሕፋሕ ሽበራውያን ጉጅለታት ገኒኑ ይርአ ምስ ምህላዉ፣ ፈረንሳ ኣብዚ መዳይ’ዚ ምስ ሓያሎ ሃገራት ክትተሓባበር ከምእትደሊ’ያ ትገልጽ።

ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ፈረንሳ፣ ንምስፍሕፋሕ ቻይናን ሩስያን ኣብቲ ዞባ ብዕቱብ ካብ ዝከታተልኦ ሃገራት ምዕራብ ሓንቲ’ያ።

ጅቡቲ ካብ ፈረንሳን ኣመሪካን ቆላሕታ ብምስኣና ናብ ቻይናን ሩስያን ትዘዙ ኣላ እናተባህለ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ድማ’ዩ ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብታ ሃገር ታሪኻዊ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ ዝድግፍ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ምስታ ሃገር ኣብ ብዙሕ መዳያት ክተሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ፓሪስ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ኣረጋጊጽሉ’ዩ።

ምስ ናጽነት ኤርትራ፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ህላዌኡ ዘብቅዐ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግም ንምብርባሩ እትሰርሕ ዘላ ኢትዮጵያ ሓገዝ ፈረንሳ ትሓትት ምህላዋ’ውን ወትሃደራውያን ምንጭታት የመልክቱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0