ኤርትራ መሪሕነት ካርቱም ፕሮሰስ ክትርከብ’ያ

ኤርትራ መሪሕነት ካርቱም ፕሮሰስ ክትርከብ’ያ

Radio Erena: 02 December 2018

khatoum procesኤርትራ መሪሕነት ናይቲ ብካርቱም ፕሮሰስ ዝፍለጥ ዝምድና ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ክትርከብ’ያ።

ምንጭታት ዜና ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከምዝሓበሩዎ፣ ነቲ ኣብ መጀመሪያ ኣዋርሕ 2019 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ምትሕልላፍ ስልጣን፣ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላትን ዲፕሎማሰኛታትን ድሮ ተቓውሞታቶም ኣስሚዖም ኣለዉ።

ኣባላት ካርቱም ፕሮሰስ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ክኾና እንከለዋ፣ ከም ቱኒዝያን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ናይ ተዓዛቢ ወንበር ኣለወን።

እቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን እዘን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራትን ዝካየድ ምትሕብባር፣ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ካብ ምስጋር ዝኽልክል መስመራት ንምዕጻው ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ዝምውል እዩ።

ገለ ካብቲ ፕሮጀክታት፣ ንኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ስልጠናን ሎጂስቲክን ብምምዋል፣ ማእከላይ ባሕሪ ክስንጥቑ ንዝህቅኑ ስደተኛታት ምግታእ፣ ንሰራዊትን ጸጥታን ሱዳን ስልጠና ብምሃብ ዶባት ምሕላው ይርከቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ቀንዲ ምኽንያት ናይቶም ሃገሮም ገዲፎም ዝስደዱ ዘለዉ ዜጋታቱ ክነሱ፣ ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ክመርሕ፣ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት’ዘን ሃገራት ምሽክዕላል’ዩ ክብሉ’ዮም ሓያሎ ወገናት ነዚ መደብ’ዚ ዝቃወምዎ ዘለዉ። 

ብተወሳኺ፣ ገለ ሰበስልጣናት ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ኢድ ከምዘለዎም ብመርትዖ ዝተረጋገጸ ጉዳይ ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ዑቕባ ዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ምእታው’ዩ ክብሉ ተቓውሞታቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ዝንቀሳቐስ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግፍዒ ከውርድ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፣ ንሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሓበሬታ ብምሃብን ስደተኛታት ብምግታእን ይተሓባበር’ዩ ተባሂሉ ብሃገራት ኤውሮጳ ብኣዎንታ እዩ ዝግለጽ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0