መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

Radio Erena: 02 December 2018

onlf delegመራሕቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ብዕለት 1 ታሕሳስ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ናይቲ ግንባር ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ዝዝከር’ዩ።

እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ናብ ሃገሮም ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ኣሕመድ ሺደን ሙስጦፋ ዑመርን ዝርከብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ተቐቢሎሞም።

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝርከቦም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሞም፣ ዕጥቆም ፈቲሖም ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምክያድ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ሎጂስቲካዊ፣ ፖለቲካዊን ካልእ ወተሃደራዊን ደገፍ እንዳገበረ ኣብ ኤርትራ ክሕብሕቦም ዝጸንሐ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ምስ መንግስቶም ስምምዕ ሰላም ፈሪሞም ናብ ሃገሮም ከምዝኣትዉ ክገብር እኳ እንተጸነሐ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ተቓወምቲ ውድባት ግና ተፈላጥነት እውን ኣይሃበን ዘሎ።

ካብ’ዞም ትማሊ ቀዳም ናብ ሃገሮም ኣትዮም ዘለዉ ሓለፍቲ፣ መራሒ ናይቲ ግንባር መሓመድ ዑመር ይርከቦም።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0