ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ስግኣት ንናጽነት ሃይማኖታዊ መሰላት ምኽባር ውልቃዊ እምነት ተባሂላ ገና ኣብ ጸሊም መዝገብ ትርከብ

Radio Erena: 22 December 2019

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ስግኣት ንናጽነት ምኽባር ውልቃዊ እምነት ተባሂላ ገና ኣብ ጸሊም መዝገብ ከምዘላ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብዕለት 19 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እዘን ኤርትራ እትርከበን ትሽዓተ ሃገራት፣ ኣብ ምኽባር ሃይማኖታዊ መሰላት ብፍሉይ ቆላሕታ ክረኣያ ካብ ዝግበአን ሃገራት ዓለም ምዃነን ኣስሚሩሉ።

እቲ ኣብ ሕጊ ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት 1998 ተመርኲሱ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ጸሊም መዝገብ ካብ ዝነበራ ሃገራት ሱዳን ጥራይ እያ ወጺኣ ዘላ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣልበሽር፣ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ምጉዕጻጽ ናጽነት ሃይማኖታዊ መሰላት ካብቲ ዝነበሮ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

እንተኾነ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ካልኦት ሃገራት ዘሎ ምግሃስ ሃይማኖታዊ መሰላት፣ ገና ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕጽል ብምህላዉ፣ ካብዚ ጸሊም መዝገብ ክወጻ ኣይከኣላን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣመንቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ምእሳርን ምስቓይን ጥራይ ዘይኮነ፣ ፓትርያርክ ዝርከቦም መራሕቲ ሃይማኖት ንዓመታት ብምቕያዱ፣ ኣብ ፍሉይ መዝገብ ረገጽቲ ናጽነት ውልቀሰባት ክምዝገብ ንዓመታት ሒዙዎ ዝጸንሐ ጸሊም ታሪኽ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0