ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ካልኣይ ርክብ ኣካዪደን

Radio Erena: 22 December 2019

ወከልቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኻርቱም ከምዝተራኸቡ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እተን ብሚኒስተራት ሃብቲ ማይ ዝተወከላ ሃገራት፣ ነዚ ኣኼባ’ዚ ዘካየዳ፣ መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 9ታሕሳስ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ኣኼባ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ባንክ ዓለምን ወከልቲ መንግስቲ ኣመሪካን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፣ እዘን ሰለስተ ሃገራት፣ ተኸታታሊ ርክባት ብምክያድ ኣብ ሓደ መዕለቢ ክበጽሓ ዝቕስብ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ናይ ዕለት 21 ታሕሳስ ናይ ካርቱም ኣኼባ፣ ወከልቲ ሃገራት፣ ብዛዕባ ተክኒካዊ ርክባትን ደርቂ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ንዝግበር ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ቀጻሊ ርክቦም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብዚ ክልተ ተኸታታሊ ኣኼባታታት ዝተበጽሐ ስምምዓት ሒዞም ናብ ዋሺንግተን ዲሲ ብምጉዓዝ ጸብጻቦም ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎም።

እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካየድ ርክብ፣ ንዕለት 13 ጥሪ 2020 ከምዝኸውን ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0