ኤርትራ ሒዛቶም ዘላ 200 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናጻ ክወጹ ጻውዒት ቀሪቡ

ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ የመን፣ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዘሎ ኣስታት 200 ዝኾኑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናጻ ክሰዶም ጸዊዑ።

    እቲ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ 2006 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 200 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳን 850 ጀላቡን ብመንግስቲ ኤርትራ ተታሒዞም ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

    ሓደ የመናዊ ገፋፍ ዓሳ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዝተኮስሉ ጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ’ውን  ሚኒስትሪ ሃብታ ዓሳ እታ ሃገር ይኸስስ።
እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ፣ ፓርላማ የመን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብተደጋጋሚ እዋን ከምዝዘተየ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዝሓለፈ ቀዳም’ውን ነቲ ጉዳይ ደጊሙ ከምዘልዓሎ ኣረጋጊጻ።

    ኣፈኛ ፓርላማ የመን የሕያ ኣል ራይ’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት የመን ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ ብፍሉይ ክዘራረብ ምዃኑ ተጠቒሱ።

    ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ እቶም በብእዋኑ ዝተታሕዙ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ደሴታት ዳህላክን ፋጥማን ተቀይዶም ምህላዎም ይሕበር።
እንተኾነ፣ ሓላፊ ዴስክ ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ የመን ኣምባሳደር መሓመድ ኣልጃፍዒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተሓዙ ዘለዉ የመናውያን ገፍቲ ዓሳ ኣብ ዘይናቶም ክሊ ማይ ዝኣተዉ’ዮም ክብል ነቲ ብማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ የመንን ተደናግጽቶም ፖለቲከኛታትን ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ነጺግዎ።

    ምክትል ሚኒስተር ሃብታ ዓሳ እታ ሃገር ዓብደላ ሱንቡል ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ጉዳይ እትምርምርን እተጻርን ኮሚተ ኣቝሙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ከጻርዮን ሒዝዎም ዘሎ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ድማ ክለቖምን ተማሕጺኑ።

    ጋዜጣ የመኒ ታይምስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህብ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ የመን ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከምዘይሰለጣ ኣነጺራ።

    የመን ብጉዳይ ምትሓዝ ገፍፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን ክሲ ተቕርብ እኳ እንተሃለወት መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ወግዓዊ ምላሽ ሂብሉ ኣይፈልጥን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0