“ኤርትራ፣ 57% ካብ ቆልዑ ኣብ ትምህርቲ የለውን።” Save the Children

Radio Erena: 10 September 2021

ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ዓለም፣ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ቆልዑ፣ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ፣ Save the Children ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ዝሓሸ መጻኢ ምህናጽ -Build Forward Better ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ትምህርቲ ቆልዑ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ካብ ዝበለን ሸሞንተ ሃገራት፣ እተን ሸውዓተ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።

ንሳተን፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ናይጀርያ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ማሊን ሊብያን ካብ ኣፍሪቃ፣ ሻምነይተን ድማ ኣፍጋኒስታን’ያ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብዘን ሃገራት ካብ ዝርከቡ ካብ 6 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፣ እቶም ኣስታት 90% ወይ ድማ 9 ካብ ዓሰርተ ቆልዑ፣ መሰረታዊ ትምህርቲ ዘይረኸቡ’ዮም።

ቆልዑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዝንፈጎም ዘሎ፣ ዘይቡቕ ምሕደራ መንግስታት፣ ዘቤታውን ዶብ ሰገርን ግጭታት፣ ስደት፣ ሃይማኖትን ካልእ ምስ ቁጠባ፣ ፖለቲካ ኵናትን ባህሊን ዝተተሓሓዘ ረቛሒታትን ክኸውን ከምዝኽእል ይጥቀስ።

ብደረጃ ዓለም 63 ሚልዮን ዝግመቱ፣ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ቆልዑ፣ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዘይረኽቡ ዝጠቐሰ ጸብጻብ Save the Children፣ እቶም ልዕሊ ፍቅሪ ካብዚኣቶም፣ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩ ምዃኖም የመልክት።

ኣብ ደቡብ ሱዳን 68% ቆልዑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዘይረኸቡ ድማ ከም ኣብነት የረድእ።

ኣብ ኤርትራ’ውን፣ 57% ካብ ቆልዑ ኣብ ትምህርቲ ከምዘየለዉ፣ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘዳለዎ፣ 76 ገጻት ዝሓዘ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ይሕብር።
============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0