ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 09-09-21

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር፣ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ኣዘራሪቡ።

እቲ ጀነራል፣ ነቲ ኣምባሳደር ብ6 መስከረም ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ብምጽዋዕ ከምዘዘራረቦ ዝጠቐሳ ማዕከናት ዜና ሱዳን፣ ዕላማ እቲ ዝርርብ፣ ኣብ ህልዉ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዘተኮረ ምንባሩ ኣሚተን።

እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ክልቲኦም ወገናት ዝተዘራረብሉ ዛዕባ ኣይተፈልጠን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዓጽዎ ከምዝኽእል ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ ምግላጹ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም’ዮም።

እቲ መንግስቲ፣ ነዚ መጠንቐቕታ ዘቕረበ፣ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ስለያን ካልእ እቲ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ተግባራትን ስለዝተዋፈረ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ሱዳን፣ ‘ብዛዕባ’ቶም ተቐቲሎም ሬሳኦም ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኽበ ተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት ተባሂሉ’ውን’፣ ኣብ ካርቱም ንዝመደበሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብ30 ነሓሰ ኣዘራሪባ’ያ።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0