ኤርትራ፣ ‘ዕቑር ሰራዊት’ ኣንሶላን ስንቂን ሒዞም ብዝቐልጠፈ ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ይጽውዑ

Radio Erena: 21 September 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ብሕማም፣ ሓገዝ ንስድራቤታት ይኹን ካልእ ምኽንያታት ኣብ ገገዝኦም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ብዝቀልጠፈ ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ህጹጽ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

እቲ ጻውዒት፣ ክሳብ 55 ዓመት ንዝዕድሚኦም ዝምልከት ኮይኑ፣ ኮበርታ ወይ ኣንሶላን ንግዚኡ ዝኸውን ስንቂን ሒዞም ናብ ኣሃዱታቶም ክጽንበሩ ዝጠልብ’ዩ።

ዝምልከቶም ኩሎም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ኣሃዱታቶም እንተዘይተጸንቢሮም፣ ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮም ‘ዩ ዘጠንቅቕ እቲ መጸዋዕታ።

ብእኩብ ክብገሱ ቅሩባት ንዝኾኑ፣ ኣብ ከከባቢኡ ንዘሎ ጨናፍር ሚኒስትሪ ምክልካል ወይ ድማ ብምምሕዳራት መካይን ክዳለወሎም ከምዝኽእል ‘ዩ ዝጠቕስ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ሰራዊት ኣዋፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ መንእሰያት ጥራይ ዘትኮኑ፣ ኣብ ትሕቲ ዑቑር ሰራዊትን ሚሊሻን ዝተሓቝፉ ኣረጋውያን’ውን ከይተረፈ የኽትት ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትር፣ ብዘይካ’ቲ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጻውዒት፣ ኣብ መላእ ሃገራ’ውን ጽዑቕ ግፋ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እዚ ብወገን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጻውዒትን ግፋን፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብምትእስሳር፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ፍርሒን ከምዝርከብ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ሓበሬታ የነጽር።

ስእሊ፣- ካብ ማሕበራዊ ሜድያ

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0