ኤርትራ፣ ክፍላተ ሰራዊት ኣብ ከቢድ ማእቶት ክጽመዳ ኣብ ምንቅስቃስ ከምዘለዋ ተሓቢሩ

ኤርትራ፣ ክፍላተ ሰራዊት ኣብ ከቢድ ማእቶት ክጽመዳ ኣብ ምንቅስቃስ ከምዘለዋ ተሓቢሩ

Radio Erena: 18 July 2018

national service

ክፍላተ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ከቢድ ማእቶት ክጽመዳ ገሊኤን ከኣ ናብ ፍሉይ ታዕሊም ክኣትዋ ይንቀሳቐሳ ምህላወን ምንጭታትሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ከምዚ ዓይነት ናይ ሰራዊት ምንቕስቓስ ልሙድ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ናይ ሕጂ ግና፣ ብዛዕባ’ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተኸቲሙ ዝተባህለ ስምምዕ ሰላም፣ ህዝቢ ኣብ ንሓድሕዱን ብወረ ወረን ክዝትየሉን ክካትዓሉን ብምጅማሩ፣ ንሰራዊት ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕላላት ንምርሓቑ ዝተኣልመ’ዩ ዝብል ግምታት ይወሃቦ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኸቲሙ ዝተባህለ ስምምዕ ሰላም ከምዘሐጎሶ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ እቲ ብናይ ሓደ ሰብ ውሳኔን ብተብተብን ዝተገብረ ስምምዕ፣ ውሕስነቱን ጸኒሑ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ኣሻቒልዎ ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት እታ ሃገር ዝውሕዙ ዘለዉ ሓበሬታት የመልክቱ።

ብህዝቢ ዝተመርጸን ንህዝቢ ዝውክልን ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ መጻኢ ዕድላት ናይዚ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሳኔ ሓደ ሰብ ጥራይ ዝወደቐ ምዃኑ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭ

===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0