ኤርትራ፣ ካብ ቀንዲ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ምዃና ተሓቢሩ

ኤርትራ፣ ካብ ቀንዲ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ምዃና ተሓቢሩ

Radio Erena: 28 July 2016

MOney Land

ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ሽበራን ብዝምልከት ዞባዊ ዓውደ ዘተ ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ።

እቲ ብመንግስቲ ኤርትራን ሓባራዊ ዕዳጋ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ማለት ኮሜሳን ተወዲቡ ካብ 26 ክሳብ 28 ሓምለ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ፣ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ንእትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፣ ሳዕቤናቱን መግቲኢታትን’ዩ ዘትዩ።

ኣብዚ ዋዕላ፣ ንኮሜሳ ዝወከሉ ሓያሎ ወጻእተኛታት ተሳቲፎም።

 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ግዳያት እዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኮይና ምህላዋ’ውን ኣብቲ ዋዕላ ከምዝተገልጸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ንመንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ባጤራ ምቕያር ዘብጽሐ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዝቐየረሉ እዋን፣ 40 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ናይቲ ኣብ ዑደት ዝነበረ ገንዘብ ከምዘይተመልሰን እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ጎረባብትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተወኒኑ ምጽንሑን ዘግህድ ምዃኑን ሚኒስተር ፋይናንስ ብርሃነ ሃብተማርያም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኣውራ ጠንቕታት ዘሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፣ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሽበራን ምዃኑ’ዩ ዝእመነሉ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ከም ክረዲት ካርድ፣ ቪዛን ቸክን ዝኣመሰለ ዘመናዊ መሰጋገሪ ገንዘብ ክጥቐማ ብዘይምኽእለን ግዳያት ፍኑውን ዘይሕጋውን ምንቕስቓሳት ባጤራታታት ይኾና ምህላወን መጽናዕታት ይሕብሩ።

ብዘይካ ዘይግዊ ምስግጋር ገንዘብ፣ ዝተሰነዐ ባጤራ’ውን ነዘን ሃገራት ተወሳኺ ናይ ቁጠባ ብድሆ’ዩ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Habal belya keytkdemki