ኤርትራ፣ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ ሃ ምፍርራሕን ናይ ቃል መጥቃዕትን ይፍጽማ ምህላወ ተወቒሰን

ኤርትራ፣ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ ሃ ምፍርራሕን ናይ ቃል መጥቃዕትን ይፍጽማ ምህላወ ተወቒሰን

Radio Erena: 27 November 2017

Gerahtu

ላዕላውይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ እትርከበን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሰብኣዊ መሰላት ወይ ሽፔሻል ራፖርቱር ንዝገብርኦ ዘለዋ ምፍርራሓታትን ዘውርድኦ ዘለዋ ጸርፍን ዘለፋን ኮኒኑ።

እቲ ኮሚሽን፣ “መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኣብ ልዕሊ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት” ብዝብል ኣርእስቲ ብ21 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት ነቲ 47 ኣባላት ዝሓቖፈ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘነእእስን ዘቆናጽብን ትስጉምታት ክወስዳ ከምዝርኣያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ፣ በዚ ክሲ’ዚ ብቀዳምነት ተጠቒሰን ዘለዋ ኤርትራ፣ ብሩንዲን ፊሊፒንስን’የን።

ብቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝቀረበ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ዝወከለ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ ነታ ብሕቡራት ሃገርት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት፣ ብቅሉዕ ጸርፍን ዘለፋን ከምዘዝነበላ ብዝርዝር ጠቕሲ ኣሎ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩር፣ በቲ ኣምባሳድርን ካልኦት ደገፍቲ እቲ መንግስትን ተደጋጋሚ እዋን ጸርፍን ምፍርራሓትን ይወርዳ ምህላዉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ብሩንዲ ኣብ ዘቕረቦ ተመሳሳሊ ጸብጻብ’ውን፣ ሰበ ስልጣ መንግስቲ ብሩንዲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ክምርምሩ ዝተመዘዙ ክኢላታት ንዘቕርብዎ ዘለዉ ምፍርራሕ፣ ንመንግስቲ ብሩንዲ ብወግዒ ከምዝኸሰሶ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ፍሊፒንስን ሰበ ስልጣናቱን’ውን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከጽንዑ በቲ ኮሚሽን ንዝተመዘዙ ክኢላታት ብዝገብርዎ ንዘለዉ ጸቕጥን ምፍርራሓት፣ ፊሊፒንስ ምስ ኤርትራን ብሩንድን ብሓባር፣ እተን ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ቃል መጥቃዕትን ምፍርራሕን ዝገብራ ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት ተባሂላ ተጠቒሳ ትርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0