ኤርትራ፣ ኣብ ደረጃ ሰላም፣ ካብ 163 ሃገራት ኣብ መበል 132 ተሰሪዓ

Radio Erena: 27 July 2022

ኢንስቲትዩት ንቁጠባን ሰላምን ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፣ ዓመታዊ ኣብ ዘዳልዎ ደረጃታት ሰላም ሃገራት ዓለም (Global Peace Index)፣ ካብ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ንኤርትራ ኣብ መበል 36 ሰሪዑዋ።

እቲ ትካል ኣብ ናይ 2022 ጸብጻቡ ኣብ ዘቐመጦ ዝርዝር፣ መጽናዕቲ ካብ ዘካየደለን 163 ሃገራት ዓለም፣ ብዘለዋ ሰላም ንኤርትራ ኣብ መበል 132’ዩ ኣቐሚጡዋ።

ንሰላም ሓንቲ ሃገር ከም መለክዒ ዝተጠቕመሎም መምዘኒታት፣ ዘቤታዊ ግጭታት፣ ገበን፣ ጸጥታን ፖሊስን፣ ብዝሒ ዝተኣስሩ ዜጋታት፣ ዝተኻየዱ ናዕቢን ሰለማዊ ሰልፍታትን፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፣ ፖለቲካዊ ራዕዲ፣ ብዝሒ ብረት ዝዓጠቑ ዜጋታት፣ ብዝሒ ዝተሰዱ ዜጋታት፣ ዝምድና ምስ ጎረባብቲ፣ ኣብ ግጭት ጎረባብቲ ሃገራት ጣልቃ ምእታው፣ ውሕስነን ድሕነትን ዜጋታት ዝብሉ ነጥብታት’ዮም።

ብመሰረት እዚ፣ ኤርትራ፣ ዘቤታዊ ጎነጽ ዘይርኣየላ ሃገራት እኳ እንተኾነት፣ ብዝሒ ዝተኣስሩ፣ ዝተሰዱን ብረት ዝዓጠቑን ዜጋታት፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጽሞ ፖለቲካዊ ራዕዲን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝካየድ ግጭታት ዝፍጽሞ ጣልቃ ምእታውን፣ ካብቲ ቀንዲ ንደረጃ ሰላማ ዘንቆልቀለ ነጥብታት’ዩ።

ብድምር ናይዞም ነጥብታት፣ ኣይስላንድ ብሰላም መወዳድርቲ ዘይብላ ሃገር ብምዃን ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ፣ ኣፍጋኒስታን ኣብ ድሕሪት ትርከብ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ሞውሪሸስ ዝሓሸ ሰላም ዘለዋ ሃገር ብምዃን ትመርሕ ኣላ። ደቡብ ሱዳን ብዘለዎ ዘይርጉእ ጸጥታን ሰላምን ኣብ ድሕሪት ትርከብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0