“ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ብዓጸቦን ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢን ዝተጠቕዑ 27 ሽሕ ቆልዑ ሓገዝ ተጌርሎም።” UNICEF

Radio Erena: 25 September 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ  ግዜ፣ ብዓጸቦን ከቢድ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢን ዝተጠቕዑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ኣስታት 27,700 ቆልዑ፣ ናይ መግብን ቫይታሚንን ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ( UNICEF) ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ UNICEF ካብ ኣስመራ ዘመሓላለፎ ወቕታዊ ጸብጻብ፣ እቶም 6600 ካብቶም ቆልዑ፣ ብዝበኣሰ ተጠቒዖም ናብ ሞት ተቓሊዕም ዝነበሩ’ም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣስታት 109 ሽሕ ቆልዑ’ውን ቫይታሚን ኤ ተወሳኺ መግቢ ተዋሂብዎም።

UNICEF ምስ ትካላት መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን፣ ካብን ናብን ቦታታት እናተንቀሳቐሰ ኣብ ዝገበሮ ሓገዝን ክታበት ቆልዑን፣ 50 ሽሕ ብተቕማጥ ወይ ውጽኣት ዝተጠቕዑ ቆልዑ ከምዝሓከመ’ውን ጠቒሱ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ኣብ 246 ገጠራት ብዝተኣታተወ ናይ ግዳም ዓይኒ ምድሪ፣ ልዕሊ 196 ሽሕ ህዝቢ ተጠቓሚ ኮይኑ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0