ፕረዚደንት ዛምብያ፣ “ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ እንተተሳዒረ፣ ድሌት ህዝቢ ከኽብር’የ” ኢሉ

Radio Erena: 23 September 2020

ኣብ ዛምብያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ እንተተሳዒሩ፣ ድሌት ህዝቢ ብምኽባር ስልጣኑ ከምዝሓድግ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኤድጋር ሉንጉ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነዚ ዘፍለጠ፣ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ምርጫ ብዘየገድስ፣ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ድሌት ከምዘለዎ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘለዋ እዋን’ዩ።

ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ብወገኑ ኣብ ዝህቦ ዘሎ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ዋላ’ውን ኣይተዓወት ኣብ ስልጣን ክቕጽል’የ ከምዘይበለ ብምርግጋጽ፣ ማዕከናት ዜና ብግጉይ ይጠቕስኦ ምህላወን ወቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ ድሌት ህዝቢ ወጻኢ ክኽይድ ከምዘይኮነን፣ ኣብ ምርጫ እንተተሳዒሩ ድማ ስልጣኑ ከምዘረክብን ኣረጋጊጹ።

ኣቐዲሙ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ፣ ኤድጋር ሉንጉ፣ ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ተዓዊቱ’ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝካየድ ምርጫታት፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ፣ “ህዝቢ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ደልዩ” ብዝብል ጉልባብ ስልጣኖም ከየረከቡ’ዮም ዝቕጽሉ።

ተዛማዲ ዴሞክራስያዊ ስርዓታት ኣብ ዘለወን ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ብዘይካ ኣብ ዚምባብዌ፣ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝጸንሐ መራሒ ኣይተራእየን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ፣ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃ’ዮም ዝርከቡ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ መራሕቲ ኡጋንዳን ኤርትራን ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ክሕዙ እንከለዉ፣ ን29 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምርጫ ዝብሃል ኣካይዱ ዘይፈልጥ እንኮ መራሒ ኣብዛ ኣህጉር’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0