ኤርትራ፣ ኣብ ዙር ርዋንዳ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ

ኤርትራ፣ ኣብ ዙር ርዋንዳ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 21 November 2017

tour rwanda

ካብ 12 ክሳብ 19 ሕዳር ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ፣ ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ መበል ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ቅድድማ ዛዚማ።

ኣብዚ ብናይ ውልቂ ዓወት ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዝኾነ ርዋንዳዊ ዮሴፍ ኣሬሩያ ዝተዛዘመ ዙር ርዋንዳ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኮንቲነንታል ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ መትከል ኢዮብ ክብረወሰን ብዝሒ ናይ መድረኽ ዓወት ናይዚ ቱር ክሰብር ክኢሉ።

ኣብ’ዚ 819 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ መበል 9ይ ቱር ርዋንዳ፡ ኣብ ራብዓይን ሻዱሻይን መድረኻት፡ ንመወዳድርቱ ራሕሪሑ ቀዳማይ ኮይኑ መዛዘሚ ሕንጻጽ ዝረገጸ መትከል እዮብ፣ ቅድሚ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ቱር ኣብ 3 መድረኻት ብምዕዋቱ’ዩ ነዚ ክብረ ወሰን ጨቢጡ።

ኣብዚ ብቅድሚ ትማሊ ዝተዛዘመ ቅድድም፣ ካብ ተዓዋቲ ኣሬሩያ ብ28 ካልኢታት ብምድሓር፡ ብውህሉል ግዜ ካልኣይ ዝወጸ መትከል፣ ነታ ደቡብ ኣፍሪቃት መሪሕ ተራ ንክትሕዝ ካብ ዘኽኣሉ ብሉጻት ተቐዳደምቲ’ዩ።

ብጋንታ ደረጃ፡ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ቀዳመይቲ ኮይና ክትዕወት እንከላ፣ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳን ክለብ ባይክ አይድን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድርን ዛዚመን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ራብዓይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ ካብዛ ጋንታ ዝሓሸ ውጽኢት ዘመዝገበ፣ ብውህሉል ግዜ ታሽዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ተስፎም ዑቕባማርያም’ዩ።

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ፈላሚ ናይ ወጻኢ ቅድድማት ዘካየደ ናትናኤል መብራህቶም ብወገኑ፡ ኣብ ቦኽሪ ሱታፌኡ፡ ወናኒ ማልያ ንጉስ ዓቐብ ቱር ርዋንዳ ንምዃን በቒዑ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0