ኤርትራ፣ ኣብ ዓለም፣ ትሕቲ 4 ሽሕ መልከፍቲ ኮረቫ ቫይረስ ካብ ዝመዝገባ ሃገራት ኮይና

Radio Erena: 01 April 2021

ኤርትራ፣ ኣብ ዓለም፣ ትሕቲ 4 ሽሕ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ካብ ዝመዝገባ ሃገራት ሓንቲ ኮይና።

ኤርትራ፣ ክሳብ 29 መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 3251 ሰባት ኮረና ቫይረስ ከምዝተረኽቦም’ያ መዝጊባ።

ኮረና ቫይረስ፣ ለበዳ ምዃኑ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝተኣወጀሉ፣ ልዕሊ ሓደ ዓመቱ ፣ ኤርትራ 9 ሰባት ጥራይ በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱ ኣፍሊጣ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ምስ ኤርትራ ሓዊስካ፣ ትሕቲ 4 ሽሕ መልከፍቲ ዝመዝገባ ሃገራት፣- ታንዛንያ፣ ሞሪሽየስ፣ ሳኦ ቶመ፣ ላይበርያ፣ ብሩንዲ፣ ሲሸልስ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ኮሞሮስን ሰራልዮንን’የን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዘን ሃገራት እኹልን ብቑዕን መርመራ ክካየድ ኣይከኣለን ዝብል ምጉት ዘለዎም ክኢላታት ጥዕና፣ እቲ በዘን ሃገራት ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት፣ ርትዓዊ ኣይኮነን ክብሉ’ዮም ዝነጽግዎ።

54 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብድምር ዝመዝገብኦ ብዝሒ፣ ልዕሊ 3 ሚልዮን ምዃኑ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

እዚ ብዝሒ’ዚ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር፣ ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ ጥራይ ዝተመዝገበ’ዩ።

ብደረጃ ዓለም፣ ዝበዝሐ መልከፍቲ ዝተመዝገበሉ ዞባ፣ ኣመሪካ ኮይኑ ልዕሊ 55.5 ሚልዮን ህዝቢ ኮረና ቫይረስ ተረኺብዎም።

ብካልኣይ ደረጃ ዞባ ኤውሮጳ፣ 44.5 ሚልዮን ህዝቢ፣ ሳልሳይ ዞባ ደቡባዊ ኤስያ፣ 14.7 ሚልዮን ህዝቢ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ ተመዝጊብዎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም፣ ከምዝተራእየ ዝዝረበሉ ኮረና ቫይረስ፣ ሰሜን ኮርያን ቱርኪመንስታንን ግና ዛጊት ዝኾነ መልከፍቲ ከምዝመዝገባ ንዓለም ኣይሓበራን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0